ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ

መቐለ መስከረም 16/2010(ድወት) ዓበይቲ ኩንባያታት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ተወከልቲ እቶም ኩባንያታት ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ብምሕንፃፅ ናብ ጭቡጥ ስራሕ ንምእታው ከምዝደልዩ ንሚኒስቴር ዴኤታ ዶክተር ኣክሊሉ ምግላፆም ኢዜኣ ፀብፂቡ፡፡

ሳሂል ግሩፕ ኣይተ ወርክስ ሲምናይት ከምፓዚት፣ቴራ ፕላንተራ ሆልዲንግስ ናሽናል ስታንዳርድ ፋይናንስን ሰንወርክሰና ዝተብሃሉ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ሃፍቶም ብምውፋር ተረባሕቲ ንክኾኑ ካብ ዝደልዩ ኩባንያታት ኣሜሪካ ገሊኦም’ዮም፡፡

እቶም ኩባንያታት ኣብ ዓውድታት ሪል ስቴት፣ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ፣ መገጣጠሚ ኣውሮፕላን፣ዘመናዊ ሕርሻ፣ፋይናንስ መሰረተ ልምዓትን ልምዓት ቴክኖሎጂ ሓይልን ኢንቨስት ንምግባር ድልየት ዘርኣይሎም ዓውድታት’ዮም፡፡