ካምቦዲያን ላኦስን ካብ ትራኮማ ናፃ ኾይነን…

መቐለ መስከረም 09/2010(ድወት) ሃገራት ኮምቦድያን ላኦስን ካብ ሕማም ትራኮማ ነፃ ምውፀኣን ዝገልፅ ኣፍልጦ ካብ ትካል ጥዕና ዓለም ረኺበን።

ተወካሊ ትካል ጥዕና ዓለንም ሃገራት ምዕራብ ፓስፊክ ሺን ያንግሱ እተን ሃገራት ንዓይነ ስውርነት ከሳጥሕ ካብ ዝኽእል ሕማም ትራኮማ ነፃ ከምዝወፃን ብትካል ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ከምዝተውሃበንን ገሊፆም እዮም።

ሕማም ትራኮማ ብሕፅረት ፅሬት ውልቀን ከባቢን ከምዝመፅእ ዝገለፁ ሺን ሃገራት ካምቦድያን ላኦስን ጥዕና ህዝበን ውሑስ ንምግባር ዝሰርሐኦ ስራሕ ኻልኦት ሃገራት እውን ተሞክሮ ክወስዳሉ ይግባእ ኢሎም።

ሕማም ትራኮማ ካብ 1970ዓ.ም ፈረንጂ ክሳብ 1990ዓ.ም ፈረንጂ ኣብዘሎ ከባቢ ኣበ ሃገራት ላኦስን ካምቦድያን ብስፍሓት ዝረኣ ዝነበረ ሕማም ኮይኑ ብዝካየድኦ ዘይተሓለለ እዘን ሃገራት እዚ ሕማም ከጥፈኦኦ ክኢለን እየን ከም ፀብፃብ ዥንዋ።