እቲ መንገዲ ኣየር ምስ ዛምቢያ ብሓባር ንምስራሕ ክፈራረም እዩ…

መቐለ መስከረም 08/2010(ድወት) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተበፃሕነቱ ንምዕባይ ዘኽእል ስምምዕነት ምስ መንገዲ ኣየር ዛምቢያ ከምዝፈራረም ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ከምዝበልዎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዛምቢያን ምስ ኣባላት ውልቐ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕሙዑን ኣብ ቐፃሊ ወርሒ ሕዳር ስምምዕነት ከምዝፈራረሙ ተዛሪቦም።

እዚ ስምምዕነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዱሽ መስመር በረራ ናብ ሉሳካ ንክጅምርን መንገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪካን ማላዊን ንኸገልግል ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ’ውን ምስ መንገዲ ኣየር ቻድ ዘተ ይሳለጥ ብምህላዉ ሓዱሽ መስመር በረራ ንምኽፋት ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ገሊፆም።

ብተወሳኺ’ውን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ምስ ዝመሓደር መንገዲ ኣየር ኮንጎ ስትራቴጂካዊ ስምምዕነት ከምዝፈፀመ ዝገለፁ ኣይተ ተወልደ ነቲ መንገዲ ኣየር ቴክኒካዊ ሓገዝ ከምዝገብር ድማ ኣመልኪቶም። (EBC)