ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ ድሌት ኣለዋ…

መቐለ መስከረም 04/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ኹለመዳያዊ ስትራቴጂካዊ ርክብ ንምዕባይ ድሌት ከምዘለዋ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ወሰንቲ ግንባራት ምክልኻል ስደት፣ ግብረ ራዕድን ምጥንኻር ርክብ ሕብረት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ሓዱሽ ኣምባሳደር እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ጆሃን ቦርግስታም ተቐቢለን ኣዘራሪበን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ዘለዎ ርክብ ብምፅናዕ ሓበራዊ ቓልሲ ኣብ ዝሓቱ ጉዳያት ብሓባር ከምዝሰርሕ ገሊፀን።

ኣምባሳደር እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ጆሃን ቦርግስታም ብወገኖም ኢትዮጵያ ንስደተኛታት በራ ርሕው ገይራ ተቐቢላ ብምትእንጋድ ተርእዮ ንዘላ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ንኢዶም።

ሕብረት ኣውሮፓ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ብምስራሕ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ክህልዮ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።