77ሚኢታዊ ብባሕሪ ዝሰግሩ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ይቃልዑ…

መቐለ መስከረም 04/2010(ድወት) 77ሚኢታዊ ብባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቢሎም ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ዝፍትኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ብዝበዛ ጉልበትን ከምዝቃልዑ ኢንተርናሽናል ቦዲስ ዝተብሃለ ትካል ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ የመላኽት።

ትካል ስደተኛታት ዓለምን ትካል ሓገዝ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብተደጋጋሚ ሒዞምዎ ዝወፁ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ 25 ዓመት ዝኾነ ስደተኛታት ዝበፅሕ በደል ጥራሕ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ህፃናትን መናእሰይን ንብዝበዛ ጉልበትን ዘይሕጋዊ ዝውውርን ከምዝቃልዑ ገሊፁ።

ኣብ 22ሽሕ ስደተኛታትን 11ሽሕ ዕቑባ ደለይቲን መሰረት ጌሩ መፅናዕቲ ዝተሳለጠ ኾይኑ 77ሚኢታዊ ንብዝበዛ ጉልበት ምቅለዖም ገሊፆም።

ብርክት ዝበሉ ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ብባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቢሎም ኣውሮፓ ንምስጋር እንትፍትኑ ናይ ጉልበት ስራሕቲ ክሰርሑ ካብ 1ሽሕ ክሳብ 5ሽሕ ዶላር ክኸፍሉን ኻልኦት በደላትን ከምዝበፅሖም እውን ተሓቢሩ።