በዓል መስቀል ንምኽባር ምድላው ይውገን ኣሎ…

መቐለ መስከረም 03/2010(ድወት) በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን ትሕዝትኡ ከይለወጠ መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ክኸውን ብዝኽእል መልክዑ ክኽበር ከምዘለዎ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቅ ብፁህ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ኣገንዚቦም።

ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ንመበል 11 ግዘ ዝኽበር በዓል መስቀል ብዝለዓለ ድምቀት ንምኽባር ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከትን ምምሕዳርን ዞባ ምብራቅ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ይውግኑ ከምዘለው ገሊፆም።

ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ዞባ ምብራቅ ብፁህ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ እታ ቤተ ክርስቲያን እቲ በዓል ሃይማኖታዊ ኾነ ባህላዊ ትሕዝትኡ ብዘጉልህ ኣገባብ ንምኽባር ከምዝተዳለወት ኣብሪሆም።

ሕብረሰተብ ድማ በዓል መስቀል እንተኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምሕብሓብን ክኸውን ኣተሓሳሲቦም።

ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሃይላይ ትንስኡ እቲ በዓል ንምክባር ዝመፁ ኣጋይሽ ብኣግባቡ ንምትእንጋድን በዓል መስቀል መስሕብ በፃሕቲ ዓድን ፍልፍል ኣታውን ክኸውን ምስ ህዝቢ እኹል ምርድዳእ ብምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።