ኣብታ ዞባ ልዕሊ 780 ሄክታር መሬት ንኢንቨስትመንት ተፀኒዑ…

መቐለ መስከረም 02/2010(ድወት) ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ 2010ዓ.ም በጀት ንልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ዝውዕል ልዕሊ 780 ሄክታር መሬት ተፀኒዑ ከምዘሎ ዴስክ ሓለዋ ከባቢን ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዴስክ ክኢላ ምሕደራ ልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ኣይተ ንጉሰ መረሳ ከምዝሓበርዎ እቲ ንልምዓት ኢንቨስትመንት ሕርሻ ክውዕል ተነፂሩ ዘሎ ልዕሊ 780 ሄክታር መሬት ኣብ ዘመናዊ ልምዓት መስኖ ሃፍቲ እንስሳን ንህብን ኻልኦትን ክዋፈሩ ንዝደልዩ 29 ሰብ ሃፍቲ ክሰጋገር እዩ።

ከምኡ’ውን ኣብቲ ዞባ ኣብ ዓውደ ልምዓት ኢንቨስትመንት መስኖ ሃፍቲ እንስሳ ልምዓት ንህብን ኻልኦትን እናተሳተፉ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሰብ ሃፍቲ ዝተጠናኸረ ደገፍ ክግረበሎም ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ክኢላ ንልዕሊ 6ሽሕ ወገናት ቐዋምን ግዝያውን ሓዱሽ ዕድል ስራሕ ክፍጠር ትፅቢት ከምዝግበር ድማ ኣረዲኦም።

ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 2.1ቢልዮን ቅርሺ ርእሰ ማል ዘመዝገቡ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓብይ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ብምስታፍ ተረባሕቲ ይኾኑ ከምዘለዉ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።