ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ልዕሊ 27ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ኣቕሓ ኮንትሮባንድ ተታሒዙ

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ኣብቲ ዝተወገነ በጀት ዓመት ኣብ ዶብ ኢትዮ ሱዳን ክወፅእን ክኣትዉን ልዕሊ 27ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ኣቕሓ ኮንትሮባንድ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ ፡፡

መተሓባበሪ ጉምሩክ ሑመራ ኮሌኔል ምሩፅ ኣብርሃ ከምዝበልዎ ካብ መንጎ እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እቶም ልዕሊ 3ሚልዮን እንትወፁ፤ ዝተረፉ 24ሚልዮን ቅርሺ ዝግምቶም ንብረታት ድማ እንትኣትዉ እዩ ፡፡

ካብ መንጎ ዝተትሓዙ ኣቁሑት ኮንትሮባንድ ኢሎም ኮሌኔል ምሩፅ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሽከርከርቲ፣ ኣልባሳት፣ ዕሹግ መስተታት፣ ተምሪ፣ ጫማ፣ ጣፍን ካልኦትን ከምዝርከብዎም ኣረዲኦም፡፡

ኣብቲ ዝተወገነ በጀት ዓመት ተታሒዙ ዘሎ ኣቁሑት ኮንትሮባንድ ምስ ሕሉፍ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ተታሒዙ ዝነበረ መጠን እንትነፃፀር ብልዕሊ 12ሚልዮን ቅርሺ ዝዛየደ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ዘሳተፈ ስራሕቲ ምክልኻል ኮንትሮባንድ ይሳለጥ ብምህላዉ ከምዝኮነ ገሊፆም፡፡