ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

28ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምሕፋስ ተተሊሙ

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2009/10 ኣብ ትግራይ ልዕሊ 1ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ከምዝተሸፈነ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡

ብብርኪ ክልል 1.2ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ንምሽፋን ትልሚ ተታሒዙ ዛጊድ ብዘራእቲ ዝተሸፈነ መሬት ግን ልዕሊ 1ሚልዮንን 159 ሄክታር ምኳኑ ኣበ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ተተካኢ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ግልጋሎት ሕርሻ ኤክስቴንሽን ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ዘመነ ምህርቲ 435,498 ኩንታል ድኹዒ 18ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ኣብ ረብሓ ከምዝወዓሉ ዝሓበሩ ኣይተ በሪሁን 760,842 ሄክታር መሬት ብመስመር ክዝራእ ትልሚ ተታሒዙ 376,393 ሄክታር መሬት ብመስመር ከምዝተዘርአ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ከምውፅኢቱ ድማ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2009/2010 ኣብ ትግራይ 28.5 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ክሕፈስ ትልሚ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ገለ ከባብታት ዘሎ ዘይተመጣጠነ ዝናብ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ሓረስታይ ኣብ ምዕቃብ ጠልን ምእላይ ውሕጅን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎን ባልዕ ዝራአቲ ንምክልካል ድማ ሓረስቶት ኩሉ ጊዜ ግራቶም ክኾሉን ክከታተሉን ይግባእ ክብሉ ምዒዶም፡፡