ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ወታሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ቬንዝወላ ኣሜሪካ

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ወታሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ቬንዝወላ ዝብል ኣማራፂ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣማራፂ ዕብዳን’ዩ ኢሎም ሚኒስትር ምክልካል ቬንዝወላ፡፡

ኣብ ቬንዝወላ ብዘሎ ፓለቲካዊ ወጥሪ ህዝቢ ኣብ ስግኣት’ዩ ዘሎ ብዙሓት’ውን ይሞቱ ኣለው ዝበሉ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ድማ ኣማራፅታት ኣለና ኢሎም ኣገዳሲ እንተኮይኑ ክሳብ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝኸይድ ኣማራፂ ኢሎም ትማሊ ዓርቢ፡፡

ሚኒስትር ምክልካል ቬንዝወላ ቭላድሚር ፓድሪኖ ግን ኣማራፂ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣማራፂ ዕብዳን’ዩ ክብሉ ኮኒኖምዎ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ፕረዝደንት ቬብዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ምክላዊ’ዮም ብዝብል ማዕቀብ ከምዝደንገገትሎም ይዝከር፡፡