ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ለውጢ ኩነታት ኣየር ፀገም ጥዕና እዚ ክፍለዘመን’ዩ

መቐለ ሓምለ 29/2009(ድወት)ኣብ 2ሽሕን 100ዓ.ም.ፈረንጂ ብኸቢድ ኹነታት ኣየር በብዓመቱ 152ሽሕ ሰባት ሃገራት ኣውሮፓ ከምዝሞቱ ተመራመርቲ ገሊፆም።

ሳዕቤናት ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምንካይ ዝውሰዱ ስጉምታት በዚ ሐዚ ዘለዎ እንተቐፂሉ’ዩ እዚ ፀገም ከጋጥም ዝኽእል’ውን ኢሎም።

እዚ ቑፅሪ 50ዕፅፊ ሐዚ ይምዝገብ ዘሎ ሞት ሳዕቤን ለውጢ ኹነታት ኣየር ከምዝኾነ ላንሴት ፕላኔት ሄልዝ ዝተብሃለ መፅሄት ገሊፁ።

መጠን ልቀት ዝተቓፀለ ካርበን ዝንክዩን ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዕቦ ሓደጋ ንምንካይ ዘተባብዑን ፖሊስታት ተግባራዊ እንተዘይኾይኖም ብኸቢድ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘጋጥም ሞት ካብ 1981 ክሳብ 2010 ካብ ዝነበሮ 3ሽሕ ካብ 2071 ክሳብ 2ሽሕን 100ን ናብ 152ሽሕ ክብ ክብል ይኽእል’ዩ።

67ሚኢታዊ ዜጋታት ኣውሮፓ ለውጢ ኩነታት ኣየር ብዘስዕቦም ሓደጋታት ከምዝጥቅዑ ዝገለፁ እቶም ተመራመርቲ ልዕሊ ዓቐን ዋዒ፣ ዛሕሊ፣ ድርቂ፣ ሓደጋ ውሑጅ፣ ሆቦብላን ካልኦትን እተን ሃገራት ዘናግዑወን ፀገማት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቶም።
እዚ መፅናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ካብ 1981 ክሳብ 2010ዓ.ም.ፈረንጂ ዝተመዝገቡ ስግኣታት ለውጢ ኩነታት ኣየር መሰረት ዝገበረ ኾይኑ ለውጢ ኹነታት ኣየር ዓለምለኻዊ ስግኣት ጥዕና ደቂ ሰባት መበል 21ክፍለ ዘመን ከምዝኾነ ኣቐሚጡ። (ቢቢሲ)