ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘተ ክካየድ ድሌት ኣርእያ

መቐለ ሓምለ 10/2009(ድወት) ደቡብ ኮርያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ ክፍታሕ ምስ ሰሜን ኮርያ ወታሃደራዊ ዘተ ክተካይድ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ።

ወታሃደራዊ ደንበር ኣብ ዝተሓንፀፀሉ ኸባቢ ወታሃደራዊ ወጥሪ ክዓስል ዝዕድሙ ምንቅስቓሳት ይረኣዩ ብምህላዮም ኣብቲ ዝመፅእ ዓርቢ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዘተ ክካየድ ድሌት ከምዘለዎ ሚኒስቴር ምኽልኻል ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ 2015ዓ.ም.ፈረንጂ ናብዚ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ልዝብ ኮርያ ኾይኑ ፕረዝደንት ሙን ጂ ኢን ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ናብዚ ብብርኪ መንግስቲ ክካየድ ዝተተለመ ዘተ ከምዝኾነን ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ኣብዚ ወርሒ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶ ፈተነ ምትኳስ ባላስቲክ ሚሳይል ስዒቡ ደቡብ ኮርያ ሓበራዊ ዘተ ክካየድ ኣድላዪ’ዩ ናብ ዝብል ውሳነ ከምዝመፀት ተገሊፁ ኣሎ።

ክልቲኤን ኮርያ ኣብ 1950ታት ናብ ኵናት ካብ ዝኣትዋ ናብዚ ምሕዝነተን ብወጥሪ ዝተኸበበ ኾይኑ መፂኡ’ዩ። (ፕረስ ቲቪ)