ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብፀሓይ ትሰርሕ መኪና ሰሪሑ

መቐለ ሓምለ 06/2009(ድወት) ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኩዋሜ ኑክሩማህ ብሓይሊ ፀሓይ ትሰርሕ መኪና ሰሪሑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ጋና ዝመሃዞ ስራሕ ብኽለት ኸባቢ ኣየር ንምክልኻል ዝሕግዝ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኩዋሜ ኑክሩማህ ዝመሃዛ መኪና ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ኾይና ኣብ ፈተነ ከምትርከብ ተገሊፁ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብቐፃልነት ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝሓሸ ምርምር ከካይድ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከምዘድል ገሊፁ። (ሲ.ጂ.ቲ.ኤን)