ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ቱኒዝያ ምትካኽ ሽጋራ ኣጊዳ

መቐለ ሓምለ 05/2009(ድወት) ቱኒዝያ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሎም ከባቢታት ሽጋራ ምትካክ ዝእግድ ሕጊ ተግባራዊ ምግባር ከምእትጅምር ኣፍሊጣ፡፡

ሚኒስትር ሚኒስተር ጥዕና ቱኒዝያ ሳሚራ መርኣይ ከምዝገለፅኦ ኣብ ዝቅፅሉ ውሑዳት መዓልቲታት ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሎም ከባቢታት ሽጋራ ምትካክ ብመራኸቢ ማዕኸናት ኣቢልካ ምህርቲ ሽጋራ ምልላይን ካልኦት ሕጊታትን ዝእግድ ሕጊ ተግባራዊ ክትገብር እያ፡፡

ፀብፃብ ትካል ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ 50 ሚኢታዊ ህዝቢ ቱኒዝያ ንምትካክ ሽጋራ ዝተቃለዐ እዩ፡፡

እቲ ዘሕዝን ድማ 20 ሚኢታዊ ዝኾኑ ቱኒዝያውያን ኣትከክቲ ሽጋራ ሰገናት ተምሃሮ እዮም፡፡

ኣብ ቱኒዝያ ብሰንኪ ምትካክ ሽጋራን ካልኦት ተዛመድቲ ወልፍታትን ካብ 30 ክሳብ 40 በቢ መዓልቱ ይሞቱ፡፡