ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፀገማት መፍረያይነት ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም ተሳተፍቲ 8ይ ጉባኤ ሓረስቶት

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ኣብ ምዕባይ ምህርትን መፍረያይነትን ሕርሻ ዘጋጥሙ ዘለው ማሕለኻታት ክፍትሑ ተሳተፍቲ 8ይ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ትግራይ ሓቲቶም፡፡

እቶም ተሳተፍቲ ነዚ ዝሓተቱ ካብ ትማሊ ቀፂሉ ኣብ ዝወዓለ 8ይ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ትግራይ ብጉጅለ ኮይኖም ብምምይያጥ ኣብ ዘቕረብዎ ፅማቕ ሓሳብ’ዩ፡፡

እቶም ሓረስቶት ኣብ ከይዲ ምስሳን ምህርትን መፍረያይነትን ሕርሻ ዘጋጥምዎም ዘለው ፀገማት ምትእስሳር ዕዳጋ፣ፀገማት መሰረተ ልምዓትን ማእኸላት መሰልጠኒ ሓረስቶትን ኣብ ምፍታሕን ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብን መንግስቲ ትኹረት ክገብር ፀዊዖም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ምጥንኻር ተግባር ተኮር ትምህርቲ፣ሕፅረት በዓል ሙያ ሕርሻ ኣብ ቀረብ ሕክምና እንስሳን መድሓኒት ፀረ-ባልዕን ዘለው ፀገማት ኣብ ምስሳን ምህርትን መፍረያይነትን ሕርሻ ኣሉታዊ ፅልዋ ከየሕድር ብኣግኡ ክፍተሓሎም እቶም ሓረስቶት ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ተሳተፍቲ 8ይ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ትግራይ ዝቐረቡ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ዝጀመሮም ፃዕርታት ከጠናኽር ምዃኑ ድማ ኣብቲ ዕለት ተገሊፁ፡፡
እቲ ጉባኤ ፅባሕ’ውን ቀፂሉ ክውዕል’ዩ፡፡