ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ግዝኣት ቻንጉ በረራ ጀሚሩ

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ግዝኣት ቻንጉ በረራ ጀሚሩ።

ግዝኣት ቻንጉ ታሪኻዊ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓድግታት ዘለዋ ከተማ ብምኳና ብርክት ዝብሉ በፃሕቲ ዓዲ ዝህውፅዋ ከተማ እያ።

ዥንዋ ከምዝፀብፀቦ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ግዝኣት ቻንጉ ሓዱሽ በረራ እንትጅምር ስዒቡ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት ምጅምር በረራ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትይጵያ ላ ይፋን ፤ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተወልደ ገብረማርያምን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣባዱላ ገመዳ ክርከቡ እዮም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ቤጂንግ ሻንጋይ፤ሆንግ ኮንግ ጓንጉዙ ሓዊሱ ጉዋንግ ዶግ ዝትብሃላ ሓሙሽተ ከተማታት ቻይና ቀጥታ በረራ የካይድ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።