ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ብርክት ዝበሉ ትካላት ብቫይረስ ሳይበር ተጠቒዐን…

መቐለ ግንቦት 05/2009(ድወት) ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ዘጥቅዐ መጥቃዕቲ ሳይበር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን መረዳእታ ብዙሓት ትካላት ከምዝጎድአ ኤጀንሲ ፖሊስ ኣውሮፓ ገሊፁ።

እቲ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ሳይበር ምንጩ ንምምርማር ዝተሓላለኸ ዓለምለኻዊ ምርመራ ከምዘድሊ ድማ ገሊፁ።

ትማሊ ዓርቢ ጥራሕ ኣብ 99 ሃገራት ዓለም ዝርከቡ 75ሽሕ መረዳእታታት ከምዝተጨወዩ ዝገለፁ ፀብፃባት ሩሲያ እታ ብዝኸፍአ መልክዑ ዝተጠቕዐት ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሩ።

ሆስፒታላትን ኩባኒያታት ቴሌ-ኮምዩኒኬሽን ብሪታኒያን ስፔንን፣ ሚኒስቴር ውሽጢ ዓዲ ሩሲያን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ በቲ ቫይረስ ኮምፒዩተር ከምዝተጠቕዓን ተገሊፁ።

ኩባኒያ ደሕንነት ሶፍትዌር ኣቫስት ከምዘመላኽቶ ልዕሊ 57ሽሕ ጥቕዓታት ቫይረስ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ እቲ መጥቃዕቲ ብዋናነት ሩሲያ፣ ዩክረይንን ታይዋንን ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ብምምልኻት።

ብኻልእ ወገን ኣብ ታይላንድ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ድረ ገፃት ልዕሊ 170 ቁልፊ ፌስቡክ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ንኮሚሽን ቴሌኮምዩኒኬሽን እታ ሃገር ፀሪሑ ፀብፂቡ።

ብንጉሳዊ ስርዓት ትመሓደር ታይላንድ ንጉሳዊ ስድራ ምንሻው ዝኽልኽል ሕጊ ዘለዋ ኾይኑ ኣብቶም ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ዝኾኑ ድረ ገፃት ግና እቲ ስድራ ዘናሽው ፅሑፋት ብምፅሓፎም ክዕፀው ገይራ ኣላ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግቡእ ዘይኾኑ ፅሑፋት ዝተጠቕዖም ዝበሎም 7ሽሕ ድረ ገፃት ክዕፀው መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ፀብፃብ ኣልጄዚራ ብተወሳኺ ይገልፅ። (ኣልጄዚራ)