ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኢትዮጵያ ካብ ምህርታት ስጋን ፀባን 72ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ…

መቐለ ሚያዝያ 10/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ 9ተ ኣዋርሕ ሰደድ ካብ ዝገበረቶ ምህርቲ ስጋን ውፅኢት ፀባን 72ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ኢንስቲትዩት ልምዓት ስጋን ፀባን ገሊፁ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 9ተ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ናብ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራተ ዓረብ ኢምሬትስን ምህርታት ስጋን ውፅኢት ፀባን ከምዝለኣኸት ድረ ገፅ ኦል ኣፍሪካን ዶት ኮም ገሊፁ።

ኢትዮጵያ 60ሚኢታዊ ምህርታት እዚ ዓውዲ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ፣ 38ሚኢታዊ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ 2ሚኢታዊ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ከምትልእኽ ዝገለፀ እቲ ድረ-ገፅ መዓልታዊ 50ቶን ምህርቲ ስጋ ናብዘን ሃገራት ሰደድ ከምትገብር ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት ካብዚ ዓውዲ 150ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተለመት ንሓበሬታ ኢንስቲትዩት ልምዓት ስጋን ፀባን ፀሪሑ እቲ ድረ-ገፅ ፀብፂቡ።