ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መንግስቲ ትግራይ ሓገዝ 3ሚልዮን ቅርሺ ገይሩ…

መቐለ መጋቢት 11/2009(ድወት) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ቦታ ቆሼ ንዘጋጠመ ሓደጋ ስዒቡ ንስድራ ግዳያት ሓገዝ ገንዘብ 3ሚልዮን ቅርሺ ኣበርኪቱ።

ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ከምዝገለፆ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቆሼ ዘጋጠመ ሓደጋ ምድህማስ ውህሉል ጓሓፍ ካብ ዝተሰመዐሉ እዋን ጀሚሩ ሓዘኑ ምግላፁ ዝዝከር ኾይኑ ሐዚ ድማ ንስድራ ግዳያት ዝውዕል ሓገዝን እቶም ግዳያት መሊስካ ንምጥያሽ ንዝግበር ምርብራብ ንምሕጋዝን 3ሚልዮን ቅርሺ ኣበርኪቱ ኣሎ።

ብቐፃሊ እውን ስድራ እቶም ግዳያት ዝሓሸ ህይወት ንክረኽቡ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ጐኒ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደው ከምዝብል ኣፍሊጡ።