ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዓመፅቲ ሶርያ ኣብ ደማስቆስ ውግእ ኸፊቶም…

መቐለ መጋቢት 11/2009(ድወት) ዓመፅቲ ሶርያ ኣብ ጫፍ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ደማስቆስ ውግእ ምኽፋቶም ተገሊፁ።

ደብዳብ ከበድቲ ብረት ክሳብ ማእኸል እታ ከተማ ምዕላቦም ዝገለፁ ፀብፃባት ከተማ ደማስቆስ ሓያል ውግእ ከጋጥማን ክትከላኸልን ከላ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ወታሃደራት ሶርያ ብወገኖም ንመጥቓዕቲ እቶም ዓመፅቲ ብደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ምላሽ ምሃቦም ተሓቢሩ።

ዓመፅቲ ሶርያ ኣብ ጫፍ ከተማ ደማስቆስ መጥቓዕቲ ዝኸፈቱ ኣንፃር ፕረዝደንት ሶርያ በሽር ኣልዓሳድ መጥቓዕቲ ዝጀመርሉ ሻድሻይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።