ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዑደት እስማዒል ዑመር ጊሌ ርክብ ኢትዮ-ጁቡቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር እዩ…

መቐለ መጋቢት 10/2009(ድወት) ፕረዝደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ዑደት ስራሕ ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ሰለስተ መዓልትታት ከካይዱ ዝቐነዩ ፕረዝደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ ትማሊ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ከምዝገለፅዎ ዑደት ፕረዝደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑሙር ጊሌ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቑጠባ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዓውድታት እናተጠናኸረ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ ኢትዮ-ጁቡቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ልዑል ግዘ ዘለዎ እዩ።

ንዘመናት ዝፀንሓ ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት ሐዚ’ውን ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ጥንካርኡ ዘርኢ’ዩ ዝበሉ ዶክተር ወርቅነህ ምትእስሳር ኽልቲኤን ሃገራት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘተኣሳሰረ ምዃኑ ድማ ገሊፆም።

ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ፕረዝደንት ጁቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ ዘበርከትዎ ግደ ልዑል ምዃኑ ድማ ዶክተር ወርቅነህ ገሊፆም።

ልዕሊ 90ሚኢታዊ ኣታዊን ወፃኢን ምህርቲ ኢትዮጵያ ብወደብ ጁቡቲ ዝካየድ እንትኸውን እዚ ድማ ምሕዝነታዊ ርክብ እተን ሃገራት ዘርኢ እዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ጁቡቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ምስ ኻልኦት ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ልዑል ድልየት ከምዘለዋ ድማ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቶም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ንውህደትን ምትእስሳርን ኣፍሪካን ዓለምን ልዑል ግደ ትፍፅም ከምዘላ ግልፂ ጌሮም።