ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ኣብ ስምምዕ በፂሐን…

መቐለ መጋቢት 10/2009(ድወት) ሃገራት ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ዝምልከት ተመሳሳሊ ቑዋም ንክህልወን ኣብ ስምምዕ በፂሐን።

ኽልቲኤን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ዝምልከት ተመሳሳሊ ቑዋም ክህልወን ዝተሰማምዓ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ሪክስ ቲለርሰን ኣብ ከተማ ቤጅንግ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ቻይና ተራኺቦም ምስተዛተዩ ስዒቡ ከምዝኾነ ኣሰሺየትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ደጋፊት ሰሜን ኮርያ ከምዝኾነት ዝንገረላ ቻይና ሰሜን ኮርያ ንከባቢያዊ ሃገራት ወጥሪ ከስፍን ዘኽእል ፈተነ ሚሳይል ከይተካይድ ፀቕጢ ክትገብርላ ቑቡል ብምግባራ ሰሜን ኮርያ ፕሮግራም ኒኩለራ ክትዓፂ ፀቕጢ ክትገብረላ ብምስማማዓን እዩ።

ተዓዘብቲ ከምዝገለፅዎ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ፀቕጢ ክትገብር ዝተሰማምዐት ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ምስገለፀን ብሰንኪ መጥቓዕቲ ቕልውላው ስደተኛታት ከየጋጥማ ብምስጋእ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕረዝደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ኣሜሪካ ዕላዊ ዑደት ንምክያድ መደብ ምሓዞም እውን ተገሊፁ።