ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሙሳ ፋቂ ኣብ ሶማልያ ዑደት ኣካይዶም…

መቐለ መጋቢት 10/2009(ድወት) ሓዱሽ ዝተመረፁ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ተዓዚቦም።

እቶም ኣቦ መንበር ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶማልያ ኣብ ጉዳያት ፀጥታ፣ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቅን ኻልኦትን ከምዝዘተዩ ድማ ወርልድ ቡልቲን ገሊፁ።

ኣብ ሶማልያ ኣብ 11 ክልላት ዘጋጠመ ዝኸፍኣ ሓደጋ ድርቂ ቐንዲ ስግኣት ማሕበረሰብ ዓለም ይኸውን ከምዘሎ ዝሓበሩ ፀብፃባት ብድርቂ ዝተጠቕዑ ዜጋታት እታ ሃገር ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቓልዑ ከምዘለዉ ድማ ገሊፁ።

ዑደት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብ ሶማልያ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ድርቕን ዘሎ ፀገም ፀጥታን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ብምዝታይ ማሕበረሰብ ዓለም ትኹረት ክገብረሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።