ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ስፔስ ኤክስ ሰባት ናብ ወርሒ ክልእኽ’ዩ…

መቐለ ለካቲት 21/2009(ድወት) ውልቀ ኩባኒያ ሮኬት ስፔስ ኤክስ ኣብ መወዳእታ ዓመት ፈረንጂ 2018 ናብ ወርሒ ክልተ በፃሕቲ ዓዲ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።

እዞም ክልተ ውልቀ ሰባት ናብ ወርሒ ዝኸድሉ ኽፍሊት’ውን ከምዝኸፈሉ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ስፔስ ኤክስ ኤሎን ማስክ እታ ናብ ወርሒ ትልኣኽ ሳተላይት ክልተ ሰባት ሒዛ ትጓዓዝ ኾይና ብምትሕብባር ተመራመርቲ ናሳ እቲ ጉዕዞ ዕውት ክኸውን ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።

እዚ ፈላማይ በረራ ኣብ ውሽጢ 45 ዓመት ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ’ዩ ድማ ዝግለፅ።

እዚ ዝካየድ ጉዕዞ ድሕሪ ኣብ 1972 ዝተልኣኸ ኣፖሎ 17 ቀዳማይ ሰብኣዊ ተልእኾ ከምዝኸውን’ዮም ተዓዘብቲ ዝገልፁ።

ኣብዚ ጉዕዞ ዝኸዱ ደንበኛታት መን’ዮም፤ ንኽንደይ ዝኣክል’ዮም ክፀንሑ፣ ዝኸፍልዎ መጠን ገንዘብ ዝምልከት ግን ዝተገልፀ ነገር የለን።