ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ናፃ ልውውጥ ንግዲ ካናዳ ኣፅዲቑ

መቐለ ለካቲት 09/2009(ድወት) ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ካናዳ ንዝካየድ ናፃ ልውውጥ ንግዲ ተግባራውነቱ ናይ ደገፍ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ካታ ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕነት ንግዲን ቁጠባን 408 ደገፍን 254 ተቋውሞን እዩ ፓርላማ ኣውሮፓ ተግባራዊ ክከውን ውሳነ ኣሕሊፉ ዘሎ።

እዚ ድሕሪ ዘተ 8 ዓመታት ተግባራዊ ክከውን ተወሲኑ ዘሎ ስምምዕነት 500 ሚልዮን ዩሮ ዝግመት 98 ሚኢታዊ ተደጋጋሚ ቀረፅ ልውውጥ ንግዲ ዘትርፍ ምኳኑ ቢቢሲ ገሊፁ።