ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መድረኽ ዘተ ምልማዕ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ እዩ…

መቐለ ለካቲት 08/2009(ድወት) ኣብ ዙርያ ምልማዕ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዝቲ መድረኽ ፅባሕ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ’ዩ።

ኣመሓዳሪ ክልል ገዳሪፍ ኢንጅነር ሚርጊሃን ሳልሕ እቲ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝተወገነ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ሱዳን ክልል ገዳሪፍን ከባቢኣን፣ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ተሳተፍቲ ክኾኑ’ዮም።

እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝካየድ ኮንፈረንስ ኣብ ዙርያ ሕርሻ፣ ምልማዕ ዶባትን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውራትን ክዝቲ’ዩ ይብል ፀብፃብ ማዕኸን ዜና ሱዳን ትሪቡን።