ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ጣልያን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና 602 ሰባት ትማሊ ከም ዝሞትዋ ፀብፂባ።

መቐለ 15 መጋቢት 2012(ድወት) ኣብታ ሃገር ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብልዑል ናህሪ እናተስፋፈሐ ዜጋታት ንዝለዓለ መጠን ሞትን ሕማምን የቃልዖም ከም ዘሎ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ትማሊ ጥራሕ ኣብ ጣልያን 602 ሰባት ንሕልፈት ከም ዝተቓልዑን ብሓፈሻ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ዜጋታት 6 ሽሕን 77 ከም ዝበፅሐን ኣልጀዚራ ሒዝዎ ዝወፀ ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ።

ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ ናብ ልዕሊ 63 ሽሕን 900 ክብ ከም ዝበለ ዝተሓበረ እንትኸውን በዝሒ ዝሞቱ ዘለዉ ዜጋታት ካብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝነበረ 793 ትማሊ ናብ 602 ከም ዝወረደን ምንካይ እውን የርኢ ምህላዉን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ እንግሊዝ እውን ቁፅሪ ብሰንኪ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ትማሊ እውን 54 ሰባት ከም ዝሞቱን ብሓፈሻ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 335፣ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ድማ ናብ 6 ሽሕን 650 ክብ ኢሉ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 15 ሽሕን 400 ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ድማ ናብ 362 ሽሕ ከም ዝዓበየ ተሓቢሩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ እቲ ሕማም ብቅልጡፍ ይላበድ ምህላዉን ዝለዓለ ጥንቃቐ ክውሰድ ከም ዝግባእን ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።