ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ምህርቲ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብፍርቂ ነክዩ ተባሂሉ…

መቐለ 04 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ ልዕሊ መፍረይቲ ነዳዲ ጣብያታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ፍርቂ ምህርቲ ነዳዲ ከምዝተቛረፀ ስዑዲ ዓረብያ ኣፍሊጣ።

ትማሊ ኣብ ኣራምኮ ኣብ ዝበሃል ጣብያ መፍረዪ ነዳዲ እታ ሃገር ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት 5.7 ሚልዮን በርሚል ወይ ድማ 50 ምህርቲ ካብ ምፍራይ ከም ዝተቛረፀ ሚኒስቴር ኢነርጂ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ነቲ መጥቃዕቲ ጉጅለ ዓመፅቲ ሃውቲ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ተገሊፁ ኣሎ።

እቲ ኣብ ከተማታት ኣብ ቃይቅን ኩራይዝን መፍርይ ምህርቲ ነዳዲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንስዓታት ዝኣክል እናተቓፀለ ከም ዝፀንሐን ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሖን እናተገለፀ እዩ።

ንጉስ ስዑዲ ዓረብያ ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ሳልማን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ምህርቲ ነዳዲ እታ ሃገር ብፍርቂ ዝነከየ እኳ እንተኾነ እቲ ዝተኸሰረ ምህርቲ ኣብ ውሽጢ 48 ስዓታት ንምክሕሓስ ይስራሕ ምህላዉ ገሊፆም።