ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ንጉስ ኮትዲቫር ሃይማኖት ክርስትና ንምቕባል ኣኽሱም ኣትዮም….

መቐለ 06 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሃይማኖት ክርስትና ንምቕባል ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝኣተዉ ንጉስ ኮትዲቫር ቺፌዚ ጆን ጋርቪስ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉስ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።

እምነት ክርስትና ንምቕባል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ዝርከቡ ሰዓብቶም ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝርከቡ ንጉስ ኮትዲቫር ቺፌዚ ጆን ጋርቪስ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እንትኾኑ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣዝዮም ከም ዝተሓጎሱ ተዛሪቦም።

እቶም ንጉስ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ሓዱሽ ጊዜ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ዝተሓዘሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ንቤተሰቦምን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘመን ሓጎስ ክኸውን ተመንዮም።

ንዐኦም ስዒቦም ካብ ዝምባቡዌ ዝመፀ ፓትሪክ ኩዋናን ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝመፀት ሲዶኒን ፈረራን ዝገርም ኣቀባብላ ከም ዝተገበረሎምን ኣዘዮም ሕጉሳት ከም ዝኾኑን ገሊፆም።

ኣብ ምእታው ሓዱሽ ዓመት ምምፀኦም ከም ዘሐጎሶም ድሕሪ ምግላፅ ሓዱሽ ዓመት ዘመነ ሰላምን ቅሳነትን ክኸውን ድማ ተመንዮም ኣለዉ። ምስቶም ንጉስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ኣይተ ብሩክ ተመስገንን ወይዘሮ መሰረት ግዛውን ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝሃርፍዋ ሃገር ከም ዝኾነት ብምግላፅ ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰላምን ፍቕርን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ክህሉ ተስፋ ከም ዝገብሩ ተዛሪቦም።

እቶም ንጉስ ካብ ቤተሰቦም ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝርከቡ ነገስታት እውን ሓቢረምዎም መፂኦም ኣለዉ።