ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ንእትገብሮ ፃዕሪ ሓገዝ ከምዝገብር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ…

መቐለ 06 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ንተሳልጦ ተግባር ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሃንደበታዊ ሓገዝን እቲ ትካል ማርክ ሎውኮክ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ዘይኑ ጀማል ዘትዮም።

እቶም ኣተሓባባሪ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም እዮም።

ከም ገለፃ ሚስተር ማርክ ሎውኮክ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ፀገም ምምዝባል ወገናት ንምፍታሕ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግሰታት ዝገብሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ዘይኑ ጀማል ብወገኖም ቤት ፅሕፈቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተመዛቢሎም ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ዜጋታት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ምስ ማሕበረሰብን ትካላት ገበርቲ ሰናይን ብሓባር ዝሰርሕ ስራሕ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣለዉ።