ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ስራሕቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ይካየድ ኣሎ…….

27 ነሓሰ 2011 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ሕማም ዓሶ ንምንካይ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ወረዳ ፀገዴ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ንልዕሊ 10 ሽሕ ዝኮኑ ነበርትን ማዓልታዊ ሰራሕተኛታትን ሕማም ዓሶ ንምንካይ መደብ ተታሒዙ ዓቅሚ መዕበይ ግንዛበታት ከምዝተውሃበን ተጠናኪሩ ከምዝቅፅልን ኣብ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና እታ ወረዳ ክኢላ ምክልኻ ልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ ኣይተ ለኣከ ገብረስላሴ ተዛሪቦም፡፡

ከም ወረዳ ፀገዴ ጣንጡ ኣብ እትራበሐሎም ቦታታት ዛጊድ 400 ሊትር ኬሚካል ፀረ ጣንጡ ከምዝተነፀገን ካብዚ ብተወሳኪ ምስቲ ነባሪ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ኣስታት 7 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝኮን ጀቅጀቃትን ማይ ዘዕቆሩ ቦታታትን ክነፅፍን ክድፈንን እናተገብረ ከምዘሎ እቶም ኪኢላ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 400 ሽሕ ዝኮን ዛንዜራ ንሕድ ሕድ መራሕቲ ስድራ ከም በዝሖም ከም ዝተዓደለ ዝገለፁ ኣይተ ለኣከ ፤ ሐዚ እውን ዛንዜራ ነቲ ዝተብሃሎ ጥቅሚ ኣብ ክንዲ ምውዓል ንዘይተደለየ ስራሕቲ እናወዓለ ከምዘሎን ኣብቲ ሕብረተሰብ ግንዛበ ንምፍጣር ብቀፃልነት ምስራሕ ከምዘድሊን ኣገንዚቦም፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብታ ወረዳ ካብ 2 ሽሕን 986 ተሓከምቲ ሕማም ዓሶ እቶም 486 ወገናት ተረኪብዎምግቡእ ኣገልግሎት ሕክምና ረኪቦም ከምዝደሓኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡