ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ግደ ኣመራርሓ ዝላዓለ እዩ ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና።

1 ነሓሰ 2011(ድምፂ ወያነ)ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ኣገልግሎት ፅሬት ንምምሕያሽ ግደ ኣመራርሓ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተገሊፁ።   ፈላማይ ጉባኤ ኣገልግሎት ፅሬት ጥዕና  ኣገልግሎት ጥዕና ንምብፃሕ ዝግበር ፃዕሪ ክነዐውት ኢና ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተሳሊጡ።   ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሚነስቴር ሓለዋ ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ መንግስቲ ዝለዓለ በጀት መዲቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።   ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መሰረተ ልምዓት ዓውዲ ጥዕና፣ ብሰብ ሃፍትን ቀረብ ሕክምናን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣገልግሎት ፅሬት ዘተባብዕ ውፅኢት እኳ እንተተረኸበ እዚ እውን ግን ብትኹረት ምስራሕ ከም ዘድሊ እቶም ሚኒስትር ሓቢሮም።   ዝመፅእ ዓመት መዛዘሚ ትልሚ ትራንስፎርሜሽን ጥዕና ሰለዝኾነ ትኹረት ሂብካ ክስራሕ ከምዝግባእን ግደ ሰብ ሞያን ኣካላት ኣመራርሓን ዝለዓለ ከምዝኾነን ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።