ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ከተማ ዕደጋ ሓሙስ ዕደላ መሬት ተሳሊጡ።

መቐለ 02 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ከተማ ዕደጋ ሓሙስ ን21 ማሕበራት መህነፂ ኣባይቲ መሬት ከምዝተዓደለን ተገሊፁ።

ከንቲባ ከተማ ዕደጋ ሓሙስ ኣይተ ኣሸናፊ ኣብርሃ ከምዝበልዎ እተን መሬት ተዓዲሉወን ዘለዋ ማሕበራት ብነባር መምርሒ ካብ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ክውደባ ዝፀንሓ እየን።

ኣብተን ማሕበራት 464 ነበርቲ ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለዉ ዝበሉ ኣይተ ኣሸናፊ ካብ መንጎ ነቲ ዕድል መሬት ረኺቦም ዘለዉ ማሕበራት 5 ናይ መምህራን 2ተ ጉድኣት ኵናት ሓንቲ ማሕበር ድማ ብስንኪ ኣብዛ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ፓለቲካዊ ቁሉውላው ዝተመዛበሉ ወገናት ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምምሕዳር እታ ከተማ ን30 ካልኦት ዝተወደባ ማሕበራት በቢ ብርኩ መሬት ንምዕዳል ቅድመ ምድላው የካይድ ከም ዘሎ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።