ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ጣልያን ካብ ኣውሮፓ ዝዓበየ መዕቖቢ ስደተኛታት ዓፅያ

መቐለ 03 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ጣልያን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ካብ ኣውሮፓ ዝዓበየ መዕቖቢ ሰደተኛታት ከምዝዓፀወቶ ሚኒስቴር ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ጣልያን ማቲዎ ሳልቪኒ ኣብ ሲሲሊ ዝርከብ ካብ ኣውሮፓ እቲ ዝዓበየ መዕቖቢ ሰደተኛታት ከምዝዓፀውዎ ዕላዊ ገይሮም።

ማቲዎ ሰልቪኒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ነቲ መዕቖቢ ሰደተኛታት ክዓፅውዎ ዝኸኣሉ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ናብታ ሃገር ቁፅሪ ዝኣትው ስደተኛታት ምንካዩ ስዒቡ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት እዚ 3 ሽሕን 73 ስደተኛታት ጥራሕ ከምዝኣተዉ ዝሓበሩ ሳልቪኒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን 17 ሽሕ ከምዝነበረን ኣዝዩ ከምዝነከየን ገሊፆም።

ናብታ ሃገር ንዝኣትው ስደተኛታት ኣብ ወደባት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዛት ጠጠው ከምዘበሉ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ይኹን እምበር ዝተወሰና ስደተኛታት ዝፀዓና ጀላቡ ብናይ ባዕለን መንገዲ ናብታ ሃገር ምእታው ከምዘየቋረፃ ምግላፆም RT News ፀብፂቡ።