ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኢጋድ ዞባዊ ምትእስሳር ንግዲ ንክዓቢ ክሰርሕ ኣለዎ - ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

መቐለ 02 ሓምለ 2011(ድምፂ ወያነ) ኢጋድ ዞባዊ ምትእስሳር ንግዲ ካብ ዘለዎ ክዓቢ ክሰርሕ ኣለዎ ተባሂሉ።

ፕሬዝደንት ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ስራሕ እዚ መንፈቕ ዓመት ኣብ ዝገምገመ መድረኽ ሕብረት ኣፍሪካ ተረኺበን ከምዝበልኦ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ብልምዓት ንምትእስሳር ካብ ዘሎ ዝያዳ ክስራሕ ይግባእ ኢለን።

እተን ፕሬዝደንት ኣብ ዘረብአን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕቲ፣ ኣብ ልዕልና ሕጊ ግን ተዛመድቲ ጉዳያትን ዝርኣዩ ፀገማት ከምዘለዉ ጠቒሰን።

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብጥምረት ዝሓዘ ኢጋድ እቲ ዞባ ተረባሒ ዝገብር ትካላውን መሓውራውን ስራሕቲ ከተኣታቱ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ተገሊፁ።