ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ተዓፅዩ ዝፀንሐ ዶብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ተኸፊቱ

መቐለ 04 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) ሩዋንዳ ዓፅያቶ ዝፀንሐት ምስ ኡጋንዳ ዘራኽቦ ዶብ ዳግማይ ከምዝኸፈቶ ተገሊፁ።

ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ምዝሓሉ ስዒቡ ሩዋንዳ ምስ ኡጋንዳ ዘራክባ ተዓፅዩ ዝፀንሐ ካብ ትማሊ ሰኑይ ምኽፋታ ብዕሊ ኣፍሊጣ።

እቲ ተኸፊቱ ዘሎ ዶብ ንግዚኡ ምዃኑ ዝሓበረት ሩዋንዳ ካብ 10 ክሳብ 22 ሰነ 2019ዓ.ም.ፈ ዝፀንሕ ምዃኑ ድማ ገሊፃ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2019ዓ.ም ዝተዓፀወ ዶብ ካቱና መብዛሕትኡ ግዘ ንዓበይቲ ተሽከርከርቲ ተዓፅዩ ከምዝፀንሐን ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ከቢድ ፅዕነት ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን በቲ መስመር ክንቀሳቐሳ ተፈቒዱ ከምዘሎን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኡጋንዳ ብንግዳዊ ምጭብርባር ትሑት ኣተሓሕዛ ኣብ ኡጋንዳ ዝነብሩ ሩዋንዳውያንን ኣንፃር ፕረዝደንት ፖል ካጋሜ ንዝቃለሉ ዕጥቓት ብምድጋፍን ዝብል ክሲ ብሩዋንዳ ምቅራቡ ስዒቡ ንንግዳዊ ርክባት እተን ሃገራት ሃስይዎ ምፅንሑ ኣፍሪካን ኒውስ ፀብፂቡ።