ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ዑደት ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኬንያ

መቐለ 07 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኣሁሩ ኬንያታ ዘትየን፡፡

ኣብ ኬንያ ንሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘካየዳ ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሁሩ ኬንያታ ዕላዊ ኣቀባብላ ተገይሩለን እዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ኩለመዳያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ትኹረት ጌሮም ዘትዮም ኣለው፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ድማ ኢትዮዽያ ኬንያን ንነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ርከብን ምትሕብባርን ከምዘለወን ዝገለፁ እቶም መራሕቲ ብቐፃሊ’ውን ርክብን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተሰማዕሚዖም እዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ከባብያዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ዝገለፁ እንትኾን ኢትዮዽያን ኬንያን ንምርግጋፅ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ዝፅበዮም ነገራት ከምዝፍፅሙ ኣረጋጊፆም ኣለው፡፡