ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ላይበርያ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ እዩ ተባሂሉ

መቐለ 07 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ተቓወምቲ ሓይልታት ላይበርያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዘካይዱ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ትማሊ ኣብ ዘሳለጥዎ ኣኼባ ዝቕፅል 7 ሰነ 2019 ዓ/ም/ፈ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣንፃር ፕረዚደንት እታ ሃገር ጆርጅ ዊሃ ሰልፊ ተቓውሞ ክካየድ ወዊዖም ኣለው፡፡

እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ድማ ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ዝበዝሕ ህዝቢ ንዘሕድሮ ዘሎ ፅዕንቶ መፍትሒ ከምፅኡ ወይ ድማ ስልጣኖም ንኽለቁን ዝፅውዕ ምዃኑ ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ ድማ ኣብቲ ሰልፊ ንዝሳተፉ ይኹን ንዘይሳተፉ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ናብ ዝረኣዩ ዝነበሩ ዓመፃትን ዕግርግራትን ንከይኣትው ንምክልኻል ኩሉ ዝከኣል ነገር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም እዮም፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ንነዘ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ተቓውሞ ዝኸፍአ ሓደጋ ከየስዕብ ስግኣት ኣሕዲሩሉ ከምዘሎ እናተገለፀ እዩ፡፡

ኣብ ምዕራባዊት ኣፍሪካ ሃገረ ላይበርያ ካብ 1989 ክሳብ 2003 ዓመተ ፈረንጂ ብዝተወለዐ ኲናት ሕድሕድ ኣስታት 250 ሽሕ ዜጋታታ ከምዝስኣነት ኣፍሪካን ኒውስ ኣዘኻኺሩ፡፡