ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሎሚ ክጅምረ እዩ…

መቐለ 07 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሎሚ ኣኼብኡ ከካይድ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ን7ተ ሚያዝያ ብዝፀውዖ ስሩዕ ኣኼባ መሰረት ሎሚ ክጅምር እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ ኣብኡ ዝተፈላለዩ ኣጃንዳታት ክርኢ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት እቲ ቤት ምኽሪ ተግባራዊ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ ውሳነ ዘሕለፈሎም ኣንፈታት ኣፈፃፅመኦም እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክግምግም እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ እዛ ሃገር እውን ዘተ ብምክያድ ቐፀልቲ ኣንፈታት ከቐምጥ እዩ ተባሂሉ ኣሎ ከም ፀብፃብ ኤፍቢሲ።