ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሶማልያዊ ገባሪ ሰናይ ናእዳ ይረክብ ኣሎ…

መቐለ 07 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ሶማልያ ሞቓድሾ ብናፃ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ዝህብ ዶክተር ዓብዱልቃድር ዓብደልራሕማን ብሶማልያውያን ናእዳ እናተረፈ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቅድሚ 13 ዓመታት ኣብታ ከተማ ዓብይ ሕፅረት መጓዓዝያ ብፍላይ ድማ ሕፅረት ግልጋሎት ኣምቡላንስ ከምዘሎ ዝተረድኣ ዓብደልቃድር ናብቲ ስራሕ ከምዝኣተወ እዩ ቢቢሲ ሓቢሩ ዘሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት 20 ኣምቡላንስ ብምሓዝ ብ35 ሰብ ሞያ ስሩዕ ግልጋሎት ኣምቡላንስ እናሃበ ጀከምዘሎ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ካብትም 35 ሰባት እቶም ዝበዝሑ ሰናይ ፍቃደኘታት ምዃኖምን ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ 42 ሰባት ከምዘተኣናግዱ ተገሊፁ።

ምቓድሾ ተደጋጋሚ ንዘጋጥማ ሃንደበታዊ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ነፃ ግልጋሎት ኣምቡላንስ ብምሃብ ዝፍለጥ ዶክተር ዓብደልቃድር ሐዚ ሐዚ ዓብይ ናእደሳን ሞሳን ይረክብ ከምዘሎ ድማ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት።