ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፌስቡክ ኣብ መሳጊድ ኒውዚላንድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ….

መቐለ 10 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ፌስቡክ ኣብ መሳጊድ ኒውዚላንድ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ን17 ደቓይቅ ምምሕልላፍ ስዒቡ ብፖለቲከኛታት ተቓውሞ እናጋጠሞ እዩ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግና እቲ ትካል 1ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅዳሕ ቪድዮ (ተንቀሳቃሲ ምስሊ) እቲ ኣብ መሳጊድ ኒውዝላንድ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ክውገድ ከምዝገበረ ድማ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ዝተመሓላለፉ ተንቀሳቀስቲ ምስልታት እቶም 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን እናወረዱ ማለት’ውን ዳውንሎድ እናተገበሩ ከምዝተሰረዙ ድማ ተሓቢሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኒውዝላንድ ዲሲንዳ ኣርደርን ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያታትን ኣብዚ ጉዳይ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለውዎ’ውን ሓቢረን ኣለዋ።