ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ምጥያሽ ኣዋጅ ማእከል ኣስተምህሮ ፌደራሊዝም

መቐለ 05 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መጣየሺ ኣዋጅ ማእኸል ኣስተምህሮ ሕገ-መንግስትን ፌደራሊዝምን ኣፅዲቑ።

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ምጥያሽ ማእኸል ሕገ-መንግስትን ፌደራሊዝምን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ረቂቅ ፅሑፍ ተመልኪቱ’ዩ።

እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ብኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ፍትሕን ወ/ሮ ፎዚያ ኣሚን ናብቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ እንትኾን ምጥያሽ እቲ ማእኸል ፅንሰ-ሓሳባት ሕገ-መንግስቲ ፌደራሊዝምን ናብቲ ሕብረተሰብ ንምስራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቅ ኣዋጅ ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ መጣየሺ ኣዋጅ ማእኸል ኣስተምህሮ ሕገ-መንግስትን ፌደራሊዝምን ተግባራዊ ክኸውን ኣፅዲቑ ኣሎ።

ብተወሳኺ’ውን እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ ስሩዕ ጉባኤኡ መመሓየሺ ረቂቅ ኣዋጅ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዋና ኦዲተር ፌደራልን ናብ ቀወምቲ ኮሚቴ ከምዘምርሖ ተገሊፁ ኣሎ ከምፀብፃብ FBC።