ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ምኽትል ፕረዝደንት ሱዳን ዑስማን መሓመድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

መቐለ 05 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ምኽትል ፕረዝደንት ሱዳን ዑስማን መሓመድ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላፅ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ምኽትል ፕረዝደንት ሎሚ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትው ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስቴር ሃገርና ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣቀባብላ ገይሮምሎም’ዮም።

ምኽትል ፕረዝደንት ሱዳን ዑስማን መሓመድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ዝበፅሐ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ህዝቢን መንግስትን ሱዳን ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላፅ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላክት።