ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ህንፀት መማዕበሊ ሓይሊ ኒኩለር ህንዲ----

መቐለ 05 መጋቢት 2011(ድምፂ ወያነ) ኣሜሪካ ኣብ ህንዲ 6 ጣብያታት መማዕበሊ ኒኩለር ከምእትሃንፅ ተሓቢሩ።

ዋሽንግተንን ኒዊደልሂን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኺበን ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ጉዳያት ድሕንነት ምምዕባል ሓይሊ ኒኩለርን ብሓባር ምስራሕ ዘክእላን ስምምዕነት ተፈራሪመን ኣለዋ።

ብድሕሪ እዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሃቡኒ መግለፂ ከምዝሓበርኦ እተን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ድሕንነትን ሓይሊ ኒኩለርን ብሓባር ክሰርሓ ብዋናነት ድማ ኣሜሪካ 6 ጣብያታት መማዕበሊ ሓይሊ ኒኩለር ክትሃንፀላ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሐን ሓቢረን።

ብዛዕባ እቲ ዝህነፅ ጣብያ ኒኩለር ዝርዝር መብርሂ እኳ እንተዘይሃባ ኣብ ዓለም ብበዝሒ ነዳዲ ብምዕዳግ ኣብ 3ይ ብርኪ ንዝተሰርዐት ህንዲ ሓይሊ ንምርካብ ዝዓለመ ክኸውን ይክእል እዩ ተባሂሉ ኣሎ።