ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ማራቶን ሞቶርስ መገጣጠሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተሽከርከርቲ ሃኒፃ…

መቐለ 15 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ኢንጅነሪንግ ማራቶን ሞቶርስ ዘህነፃ መገጣጠሚ ፋብሪካ መኪና ሃንደይ ኣመሪቑ።

እዚ ፋብሪካ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ቅርሺ ወፃኢ ዝተገብረሉ ኮይኑ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሃኒፁ ኣሎ።

ኣብዚ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንዳስትሪ ኦቶሞቲቭ ንክስፋሕፋሕ መንግስቲ ዝገብሮ ሓገዝ ቐፃሊ እዩ።

እዚ ፋብሪካ ሾሞንተ ዓይነት መኪና ዝገጣጥም ኮይኑ በቢዓመት ክሳብ 10ሽሕ ዝኾኑ ተሽከርከርቲ ናይ ምግጥጣም ዓቕሚ ዘለዎ እዩ።

ደቡብ ኣፍሪካዊ ኩባንያ ሃንዶይ ሞቶርስ በቢዓመቱ 14.8ሚልዮን ተሽከርከርቲ ገጢሙ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከምዘቕርብ ፀብፃባት ይገልፁ።