ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሴናተር ውድብ ዴሞክራት ኣሜሪካ ኤልዛቤት ዋረን ወፍሪ ምረፁኒ ጀሚረን…

መቐለ 03 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ሴናተር ዉድብ ዴሞክራት ኤልዛቤት ዋረን ኣብ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 2020 ንምዉድዳር ዕላዊ ወፍሪ ምረፁኒ ጀሚረን።

ጓል 69 ዓመት ኤልዛቤት ዋረን ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንምትካእ ዓሊመን ምንቅስቃስ ከምዝጀመራ ተሓቢሩ።

ኣብ ዪኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ኤልዛቤት ዋረን ኣብቲ ፕረዚዳንታዊ ንሕንሕ ዝለዓለ ድምፂ ክረኽባ ከምዝኽእላ ካብ ብሐዚኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ኣብ 2012 ዓ.ም ፈረንጂ ኣባል ሴኔት ኮይነን ካብ ዝምረፃ ንነዘ ኣብ ጎኒ ዉድብ ዴሞክራት ብምዃን ዝለዓለ መጠን ግብሪ ካብ ሃፋትም ክእከብን ተጠቀምቲ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሎምን እናተቓለሳ ዝፀንሓን ሐዚ እዉን ካብ ሃፋትም ዝለዓለ መጠን ግብሪ ምእካብ ቀንዲ ትልመን ከምዝኾነን ተገሊፁ።