ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኢትዮጵያን ኬንያን ምጣነ ሃብታዊ ርክበን ንምጥንካር ዘትየን

መቐለ 02 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ኢትዮጵያን ኬንያን 2ቲኣዊ ምጣነ ሃብታዊ ርክበን ንምጥንካር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ከምዝዘተያ ተገሊፁ።

ኢዜኣ ከምዝሓበሮ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ዙርያ ምጥንካር ቁጠባዊ ርክብ 2ቲኤን ሃገራት ዘትዮም ኣለው።

ትማሊ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ መዘነኦም ሞኒካ ጅማ ዘዘራረቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ 2ቲኤን ሃገራት ንዘመናት ኣብነት ኾይኑ ዝፀንሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ምጣነ ሃብታዊ ርክብ ብዘጠናኽር መልክዑ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ከምዝዘተዩ ድማ ተሓቢሩ።

2ቲኤን ሃገራት ተወሰኽቲ ልውውጥ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምስፋሕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ብምጥንካር መርኣያ ክኾና ከምዝግበኦ ድማ ተሓቢሩ።