ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

63ሽሕ ኩንታል ምህርቲ ሰሊጥ ናብ በዓል መዚ ምህርቲ ዕዳጋ ቐሪቡ…

መቐለ 29 ጥሪ 2011(ድምፂ ወያነ) ልዕሊ 63ሽሕ ኩንታል ሰሊጥ ካብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ናብ በዓል መዚ ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ።

ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ ሓጎስ ኣብርሃ ከምዝሓበርዎ ሎሚዘበን 85ሽሕ ኩንታል ሰሊጥ ካብታ ወረዳ ናብ በዓል መዚ ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንምቕራብ ተተሊሙ ዛጊድ እቲ ልዕሊ 63ሽሕ ኩንታል ክቐርብ ክኢሉ ‘ሎ።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2010/2011 ልዕሊ 22ሽሕ ሄክታር መሬት ብዘራእቲ ሰሊጥ ተሸፊኑ ከምዝኸረመ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሓጎስ ዘድልዩ እታወታትን ቴክኖሎጅታትን ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ብምኽኣሎምን ሓረስቶት ንዘራእቶም ዘድሊ ክንክን ብምግባሮምን ካብ ሕሉፍ ዓመታት ዝሐሸ ምህርቲ ከምዝተሓፈሰ ገሊፆም።

ብምዃኑ ‘ውን ተወሳኺ ኣስታት 22ሽሕ ኩንታል ሰሊጥ ካብታ ወረዳ ናብቲ በዓል መዚ ንምቕራብ ፃዕሪ እንዳተገበረ ከምዝርከብ እቶም ምኽትል ሓላፊ ኣረዲኦም።

እቲ ሎሚዘበን ዝቐርብ ሰሊጥ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ23ሚኢታዊ ሓለፋ ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ሓጎስ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሰሊጥ ዝድለ ፅሬት ንክህልዎ ሰብ ሞያ፣ሓረስቶትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተዋዲዶም ይነጥፉ ምህላዎም ተዛሪቦም።