ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፕሮጀክት ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ከተማ መቐለ…

መቐለ 03 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ኽፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ፕሮጀክት ምርግጋፅ ውሕስነት መግቢ ከምዝተሓቖፉ ተሓቢሩ።

እዚ ፕሮጀክት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ባንኪ ዓለም ብምትሕብባር ዝሳለጥ ኾይኑ በቢዓመቱ 10ሽሕ ሰባት ኣብ ውሕስነት መግቢ ተሓቂፎም መነባብርኦም ከምሓዩሹ ዝሕግዝ እዩ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ደኣንት ከተማ መቐለ ወይዘሮ ትርሓስ ኣብርሃ ከምዝበልኦ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ልዕሊ 9ሽሕን 997 ሰባት ኣብ ፕሮጀክት ውሕስነት መግቢ ተሓቂፎም ይርከቡ።

ኣብ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ተፋሰስ፣ ምእላይ ደረቅ ጓሓፍ ፅገና መንገድታትን ብምስታፍ መነባብርኦም ዘመሓይሽሉ ኹነታት ክፍጠር እዩ።

ኣብ 2011ዓ.ም ኹለን ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ኣብዚ ፕሮጀክት ከምዝሕቆፋን ቑፅሪ ተጠቀምቲ ናብ 19ሽሕ ከምዝዓብን እውን ተዛሪበን።