ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ጎንፂ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ንምፍታሕ ሓዱሽ ዘተ ሰላም ክጅመር’ዩ

መቐለ 02 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ሓዱሽ ዘተ ሰላም ንምጅማር ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

ኣፍሪካ ኒውስ ከምዝሓበርዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕብረት ኣፍሪካ ቑጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ማእኸላይ ኣፍሪካ (ኢካስን) ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ጎንፂ ንምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ንምዝታይ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዋና ከተማ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ባንጉይ ዑደት ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።

ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ እቲ ሓዱሽ ዘተ ሰላም ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ብሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ፃዕሪ ክግበር ኣለዎ ብዝብል ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ተግባራዊ ንምግባር እዩ ተባሂሉ።

መንግስትን ዓመፅትን እታ ሃገር ብዘተ ሰላም ቐዳምነት ክህቡ ዝፀወዐ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ 6ተ ዓመታት ዝዘለቐ ጎንፂ ከብቅዕ ድማ ሓቲቱ።

ኣጀንስ ፍራንስ ፕረስ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብ ማእኸላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪካ ንዝሓለፉ 6ተ ዓመታት ብዝተፈጠረ ጎንፂ ርብዒ ካብ 4.5 ሚልዮን ጠቅላላ ህዝቢ እታ ሃገር ተመዛቢሉ እዩ።